Рет қаралды 934
ንኹሉ ነገር መተካእታ ኣለዎ። እታ ሓንትን እንኮን መተካእታ ዘይብላን ግን ሂወት ትንፋስ እያ። ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ህሞት ከይቀደመቶ እንከላ ክቕድማ ይህንደድን ዝኸፈለ መስዋእትነት ኸፊሉ ከናውሓ ይህርደግ። ይትረፍዶ ምእንቲ ካልእ ክውፍያን ከበጅዋን እዋና በጺሑ በትራ ከተወጣውጠሉ እንከላውን ንዕቃበአ ላዕልን ታሕትን ክብል ይርአ። እንተ ንሕና ኤርትራውያን ግን ነታ ሓንትንመዳርግቲ ዘየብላ ሂወቶም ከይበቐቑ ምስ ሞት ተራጺሞም ሂወት ዝሰኹዑ ሓወልትን ኣኽሊላትንስለዘለውና ብእኦም ሰሲንና ንስስን ኣለናን ወትሩ ድማ ክንስስን ኢና። ስለዝኾነ ድማ ጀጋኑና ኤልሻዳይ እዮም ዝነበሩ ዘለው ዘልኣለም ድማ ዝነብሩ። ስለዚ ድማ ኣብ እዛ መብጽዓና እነሐድሰላ መዓልቲ እዛ ግጥሚ ንዕኦም ከም ንእሽቶ ህያብ እውፍያ።