Рет қаралды 12,648
እዞም ካብ መጀመርታ ጉዕዞ ክሳብ ጽባሕ ናጽነትን ሓርነትን ቀጺሉ’ውን ክሳብ ሕጂ ዝወደቑ ዘለዉ ጀጋኑ ሰማእታትና፡ ምልክት መንነትናን ክብርናን ኢዮም። እዞም ንሕና ምእንቲ ክጥዕመናን መንገድና ምእንቲ ክበርህን ከም ሽምዓ ዝመኸኹ ሓርበኛታት’ዚኣቶም፡ ወትሩ ክብርን ሞጎስን ኪረኽቡ ዝግብኦም ኢዩ። #EritreaMartyrsDay2024 #EmbassyMedia #Eritrea