Рет қаралды 10,074
#highbloodpressure #eritrea #tigrinja
email- dr.tes.medical7@gmail.com
facebook- Doc Tes,
profile.php?...
ሰላም ከመይ ትኾኑ ኩሉኹም ተኸታተልቲ፡ ንሎሚ ክንዘራረበሉ ሓሰበ ዘለኹ ኣርእስቲ፡ ብዛዕባ ጸቅጢ ደም እዩ። እዚ ብብዝሒ ኣብ ሕክምና ዝመጸና ተደጋጋሚ ተርእዮታትን ሕቶታትን ኣብ ግምት ብምእታው እየ፡ ብ ሓባር ንኩሉ ሰብ ዝኸዉን ሓበሬታ ኣብ ዮቱብ ክዝርግሖ መሪጸ።
እዚ ብሙሉኡ ኣብዚ ቪደዮ ተጠቂሱ ዘሎ ሓበሬታታት ምንጩ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ናይ ሕክምና ትምህርተይ ን መዓልታዊ ኣብ ስራሕ ዘጋጥመንን ከምኡ ዉን ካብ ዓበይቲ መወከሲ ሕክምናዊ መጻሕፍቲ ምርኩስ ብምግባር ን ዝተዳለወ እዩ።
ኣብዛ ቪደዮ ዘይተገልጸ ነገር፡ ኮነ ኢለ ዝገደፍኩዎ ነገር እንትሃልዩ ብዛዕባ መድሃኒታት ን ኣገባብ ኣተሓኻኽማ ልዑል ጸቅጢ ደም እዩ። እዚ ድማ ንነፍስ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኾነ ኣገባብ ኣተሓኻኽማ ስለዘለዎ፡ ን ኩሉ ብ ሓፈሻ ክዉክል ስለዘይክእል፡ ኣዚዩ ሰፊሕ ን ኣድካምን፡ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ኣሰልቻዊ ምእንቲ ከይከዉን ብምባል ዝገደፍኩዎ እዩ።
ዘለኩም ኩሉ ሕቶታት፡ ወይ ሃናጺ ርእይቶታት ክቅበል ድልዉ እየ፡ ኣብ ታሕቲ ጸሓፉዎ ን ኹሉ ድማ መልሲ ክህበሉ ቃል ይኣትወልኩም።
ብዝተረፈ ምሉእ ጥዕና ይምነየልኩም ሓውኹም
ዶር ተስፋኣለም