Рет қаралды 22,653
ኣብዚ ቅነ ብዙሓት ኤርትራዊያን "ይኣክል!" ዝብል መጸዋዕታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝገብርዎ ዘለዉ ምስማዕ ድምጺ ተኣሳሲሩ፡ ፍሉጥ ስነ ጥበበኛ ወዲ ትካቦ ዘቕረቦ መጸዋዕታን ብምትሕሓዝ ምስ ረዲዮኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ዝገበሮ ዕላል። ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል፡ ኣብ መጸዋዕታ ናይ "ይኣክል!" ዘቕረባ ደርፊን ኣብ መንእሰያት ኣሕዲራቶ ዘላ ጽልዋ፡ ደርፊን ደረፍቲ ኤርትራን፡ ን ወዲ ትካቦ ናብ ደንበ ተቓውሞ መንግስቲ ኤርትራ ክጽምበር ዝገበሮ ኩነታትን ካልእን ኣዕሊሉ ኣሎ።
ኣብ ዝቕጽል ካልኣይ ክፋል፡ "ይኣክል!" ንመን፧ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ናብ ህዝቢ ከቕርቦ መዲብዎ ዘሎ ስራሓትን ካልእ ምስህልው ኩነታት ኤርትራን ኣዕሊሉ ኣሎ።
www.sbs.com.au/yourlanguage/t...