Eritrean Music Tsehaytu BeraKi| ኣብ ዕለተ መስዋእታ ዝተገጥመ ግጥምን።

  Рет қаралды 33,306

Mesobna ዓንጋሊት

Mesobna ዓንጋሊት

6 жыл бұрын

"ጸሓይ ዓደይ" በጋጣሚ ዕረፍቲ ጸሃይቱ በራኺ ዝተሰርሐት ግጥሚ።
******** *ጸሓይ ዓደይ *******
እታ ጎይታ ጥበብ ኣደ ሚልዮናት
ያሬዳዊት ብራና ዜማታት
እታ ሓውልቲ ትግርኛ፡ ቅርሲ ውሎዶታት
መሶብ ፍቕሪ፡ መኽዘን ናይ ቅኒታት።
እታ ሓርበኛ ተጋዳሊት
ጨማቲት ቶካሲት
ሓሳቢት ደራሲት
ነብይ ንርሑቕ ኣማቲት
ኮኾብ ሰሜን ኣንፈትና ሓባሪት
ንፍቕሪ መራሒት።
እታ ፍላስፋ ምኽዘን ናይ ጥበባት
ሃንዳሲት ቅኒት ጎይታ ናይ ዜማታት
መዝገብ ታሪኽ ቅያ ወሎዶታት
መሕደር ሽሕ፡ ሕርየተ ሕሩያት።
እታ ብፍቕሪ ዓዳ ዝነደደት
ብባህላ ዝተጸለለት
ብጥበባታ ተስፋ ዝለገሰት
ከንይንባትኽ ሓቦ ዘስነቐት።
ንሳ.....
ኣርማና'ያ ቀንዴል ዓድና
ንያትና'ያ ሓበን ኩርዓትና
ጭማራ'ያ ዋልታ ባህልና
ንሳስ እንቋዕ ኮነት ናትና።
እዛ ቅርሲ
እዛ ሓወልቲ
እዛ ርስቲ እዛ ሃብቲ
ሰፈራ ኣብቲ ውሽጠ ውሽጢ
መዓሙቕ ናይ ልቢ
ፍቕሪ እናቐለበት መንፈሰ እተዕቢ
ጥበብ እትናቢ።
ንሳ'ወ እዛ ጸሓይ ዓደይ
በቲ መልእኽ ድምጻ
ብጥበብ ቆርጺጻ
ልዕሊ ማንም በሊጻ
ሓሊፋ ሂወተይ ሃኒጻ
ኣንታ...
ተናፋቒት እንድያ ተበሃጊት
ተፈታዊት እንድያ ተፈቃሪት
ኣቦይ እዝጊ'ኳ ቢሂግዋ
ብፍትወታ ዓቢዱ ኣፍቂርዋ
ከተጻውቶ ብክራራ ጌርራ
ግጥምታት መሪጻ ድምጻ ኣመቂራ
ዝይም ክትውዕለሉ ምስ ሰማእት ሓቢራ
እዛ ምልእተ ፍቕሪ ኩሉ እንድዩ ዘፍቅራ።
እዛ ጸሓይ ዓደይ
ብርሃና ሰዲዳ ሙቖታ ለጊሳ
ኣብ ልቢ ኩሉ ነጊሳ
ዘልኣለም ደቂሳ።
እታ...
ስልካ ብቕኒታ ድምጻ ብምቅርታ
ሎሚ ዶ ከይደሀ ውቅዒት ህርመታ
ግን...
ግቡኣ ጌራ እጃማ
ፍጽሚ ጌራትሉ ዕማማ
ከይዳ ከም ዓለማ።
-------------- * * * -------------
ፍረዝጊ ተስፎም
26-05-2018
መብዛሕቲና ደቂ ሰባት ብዋሕዲ ምትብባዕ ኢና ንነገራት ክንገብሮም እንዳ ከኣልና ዘይንገብሮም። መሶብና ድማ ነዚ ምርኩስ ብምግባር ብንኡስ ዓቕማ፡ ኣብ ምሕበራዊ ሂወትና ኣብ ምጽባቕን ምርግጋእን ዝሕግዙና ሓሳባት ኣብ ምብርካት ተረኣ ትጻወት። እዚ መደብ እዛኢ ካባኹም ናባኹም እዩ።
ንዕቤት'ዛ መደብ እትህብዎ ሃናጺ ርእይቶን ተሳትፎን ኣቐዲመ የመስግን።
ንተወሳኺ ትሕስቶ Subscribe ብምጥዋቕ ናይ ወትሩ ዓማዊል ናይዚ መደብ ንኽትከውን ብኽብሪ ይዕድመኩም።
/ @mesobna
Facebook: / mesobna.de
E-mail: eyeru717@gmail.com
ነዚ ቪድዮ ካብ You Tube ኣውሪድካ ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ኣይፍቀድን።
© Copyright: Mesobna Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited.
New Eritrean Motivational video 2018. New Tigrina motivatinal video 2018.

Пікірлер: 44
@amareseggai8957
@amareseggai8957 Ай бұрын
Rest in peace, Mama. Embedded in our ❤️
@donpetros8285
@donpetros8285 Жыл бұрын
በዘመኑ በነበርነው ኢትዮጵያዉያን ልብ ዉስጥ ለዘለዓለም ትኖርያለሽ ዉዷ ቆንጆዋና ደጓ ጸሃይ ባራኪ - ነብስ ይማር እናታችን ።
@vivilala9115
@vivilala9115 6 жыл бұрын
መንግስተ ሰማይ የዋርስኪ ኣዴና #ጸሃይቱ በራኺ
@user-vo1yy3vi1k
@user-vo1yy3vi1k 6 жыл бұрын
ኦፍፍፍ መንግስተ ሰማያት የወርስክን ማማይ ማዓረይ መምህር ስነጥበብ. ፍፅም ካብልብና አይትወፃን ንዝክረክን ኢና አብቲ ጥዕም ድምፅክን ሞት ናትክን ብልቢ ሕማቅ ተሰሚዕኒ. ብጣዕሚ ዘድንቀክንን ዝፈትወክክንን እየ ነይረ ካብ ትግራይ ኢትዮዽያ
@SS-ck9xp
@SS-ck9xp 6 жыл бұрын
ጋልቶም ብውሕዶም ዝሓበሩ Yekenyelina
@user-vo1yy3vi1k
@user-vo1yy3vi1k 6 жыл бұрын
+Selam Solomon. እንታይ እሞ ዝያዳይ ሓደ እንድና ሞትኩም ሞትና ፀገምኩም ፀገምና እዩ ሰላም ጥራሕ ይሃበና
@hamidedrisawate5045
@hamidedrisawate5045 6 жыл бұрын
መንግስተ ሰማይ ማማ ጸሃይቱ!
@hadastafereyibrah4350
@hadastafereyibrah4350 6 жыл бұрын
እግዚአብሄር ኣምላኽ መንግስተ ሰማያት የዋርስክን፡፡
@user-jc5eb5gj9v
@user-jc5eb5gj9v 6 жыл бұрын
ዋውውው ተባዕታይ ግጥሚ ፍራይ ነብሲ ምስ ብሉጽ ኣቀራርባ ።
@kebariberhe7919
@kebariberhe7919 6 жыл бұрын
Zeymuno derfi tsehaytu beraki jigna
@tekhlomokgabergish3925
@tekhlomokgabergish3925 6 жыл бұрын
Werhi mber Tefia mengste semai yewarskin adena halal xhayti beraki
@wedikeren6687
@wedikeren6687 6 жыл бұрын
Mengste semay yewarski xhaytu beraki
@wesabwedieri7804
@wesabwedieri7804 6 жыл бұрын
Mengist semay yewarsiki mama xahaytu
@JoloWehn
@JoloWehn 6 жыл бұрын
Thank you for sharing. Perfection
@nebiattekie9790
@nebiattekie9790 6 жыл бұрын
Mengsta smay yeworski R.I.P. kulgze ablebna eki
@sabayihdego540
@sabayihdego540 6 жыл бұрын
Mengstesemay yewarski!!
@siumbihil3576
@siumbihil3576 5 жыл бұрын
ማማ ጸሓይቱ ብርሀን ከም ኡ ድማ ሃወልቲ አሪትረያ ኢኺ ሙዚቃኺ ምስ መል ኣኽቱ ነዘን ት ኣለት ኣብ ሊቢና ኣሌኺ ቕሰኒ! ኦ ኣምላኸይ ቢ የማናይ ኢድካ ተቕበላ!
@arushikorrrnegash5200
@arushikorrrnegash5200 5 жыл бұрын
Mamma tsehatu R.I.P.
@jdjxjxggzhhs8138
@jdjxjxggzhhs8138 5 жыл бұрын
Mengste semai yewarseki
@1welwel875
@1welwel875 5 жыл бұрын
RIP Theaytu you said what you meant.yes you took a bullet of bombardment from Ethiopian airforce. Nothing stopped you.You lived and died as a hero,on your principle.We love you forever.
@user-lr1fs7ul1u
@user-lr1fs7ul1u 5 жыл бұрын
ኣየ ኣደ ህያወይቲ ብልጽቲ
@SemET77
@SemET77 6 жыл бұрын
ነፍስሽን በገነት ያኑራት።
@weditewelday1309
@weditewelday1309 6 жыл бұрын
Rip nediena tsehaytu beraki
@rshantesfancial1392
@rshantesfancial1392 5 жыл бұрын
Mengste semay yewarski harbena ade eretrawit
@tekeatekle7559
@tekeatekle7559 6 жыл бұрын
❤❤❤❤❤❤❤❤Hazene
@muluekiflom1884
@muluekiflom1884 6 жыл бұрын
❤️❤️❤️🎤🎤🎤🙏🙏🌷🌷🌷
@kahsaymerhu9957
@kahsaymerhu9957 6 жыл бұрын
ፈታሪ ጌታ ብፁቡቅ ይቀበላ ።ኤርትራዊ ድማ ፀሎት ሠላምን ራሕዋን ክኮነልና እምበርከ ፀሎት ተተፍኡ ሩግም ህዝቢ ጨካን ርጉም መራሒ እዪ ዝፈትረልካ ዋዛ አይኮነን ሀቂ ክንፈቱ አለና።
@Mesobna
@Mesobna 6 жыл бұрын
********* *ጸሓይ ዓደይ* ******* እታ ጎይታ ጥበብ ኣደ ሚልዮናት ያሬዳዊት ብራና ዜማታት እታ ሓውልቲ ትግርኛ፡ ቅርሲ ውሎዶታት መሶብ ፍቕሪ፡ መኽዘን ናይ ቅኒታት። እታ ሓርበኛ ተጋዳሊት ጨማቲት ቶካሲት ሓሳቢት ደራሲት ነብይ ንርሑቕ ኣማቲት ኮኾብ ሰሜን ኣንፈትና ሓባሪት ንፍቕሪ መራሒት። እታ ፍላስፋ ምኽዘን ናይ ጥበባት ሃንዳሲት ቅኒት ጎይታ ናይ ዜማታት መዝገብ ታሪኽ ቅያ ወሎዶታት መሕደር ሽሕ፡ ሕርየተ ሕሩያት። እታ ብፍቕሪ ዓዳ ዝነደደት ብባህላ ዝተጸለለት ብጥበባታ ተስፋ ዝለገሰት ከንይንባትኽ ሓቦ ዘስነቐት። ንሳ..... ኣርማና'ያ ቀንዴል ዓድና ንያትና'ያ ሓበን ኩርዓትና ጭማራ'ያ ዋልታ ባህልና ንሳስ እንቋዕ ኮነት ናትና። እዛ ቅርሲ እዛ ሓወልቲ እዛ ርስቲ እዛ ሃብቲ ሰፈራ ኣብቲ ውሽጠ ውሽጢ መዓሙቕ ናይ ልቢ ፍቕሪ እናቐለበት መንፈሰ እተዕቢ ጥበብ እትናቢ። ንሳ'ወ እዛ ጸሓይ ዓደይ በቲ መልእኽ ድምጻ ብጥበብ ቆርጺጻ ልዕሊ ማንም በሊጻ ሓሊፋ ሂወተይ ሃኒጻ። ኣንታ... ተናፋቒት እንድያ ተበሃጊት ተፈታዊት እንድያ ተፈቃሪት ኣቦይ እዝጊ'ኳ ቢሂግዋ ብፍትወታ ዓቢዱ ኣፍቂርዋ ከተጻውቶ ብክራራ ጌርራ ግጥምታት መሪጻ ድምጻ ኣመቂራ ዝይም ክትውዕለሉ ምስ ሰማእት ሓቢራ እዛ ምልእተ ፍቕሪ ኩሉ እንድዩ ዘፍቅራ። እዛ ጸሓይ ዓደይ ብርሃና ሰዲዳ ሙቖታ ለጊሳ ኣብ ልቢ ኩሉ ነጊሳ ዘልኣለም ደቂሳ። እታ... ስልካ ብቕኒታ ድምጻ ብምቅርታ ሎሚ ዶ ከይደሀ ውቅዒት ህርመታ ግን... ግቡኣ ጌራ እጃማ ፍጽሚ ጌራትሉ ዕማማ ከይዳ ከም ዓለማ። -------------- * * * ------------- ፍረዝጊ ተስፎም 26-05-2018
@user-wb5oy1ed3k
@user-wb5oy1ed3k 6 жыл бұрын
Mesobna ዓንጋሊት ኣታ ሓወይ በጃካ ትዛረቦ ፍለጥ ቀዳምነት ደርፊ ሰይጣናዊ መገዲ ዩ መዝሙር ከኣ መንፈሳዊ ወይ መልኣካዊ መገዲ ዩ። እግዚኣብሄር ኣምላክ ደርፊ ናይ ሰይጣን መሳርሒ ኢዩ ኢንዳበለካስ። ኣበይ ኢዝጊ ከማን ብክራራ ዓቢዱ ክትብል ዓገብ ባ ። ምናልባት ንፍዕቲ ኮይና ተራእያትካ ትከዉን ግን ከተጋኒን ኮለካ ኢንታይ ተጋንን ፍለጥ።
@netsereabhaile4430
@netsereabhaile4430 6 жыл бұрын
ህግደፍ ናይ ትዕቢት መምህራን ይፈላለዩ፡ደርፍታት ትግርኛ ባህሊን ምንባርንዩ ዝነግር፡ኦሪታዊዩ ።ከምዚ ናይ ሎሚ ደርፊታት ከይኮነ፡ደርፊ ንመኽንያት'ዩ ዝድረፍ ኣብ ኡብረተሰብ ትግርኛ።ሳዕሲዒትና ውን ከሙኡ ልክዕ ከምቲ ንኣምላኽ ከተመጉስ ከለኻ ሕፍረትካ ሽፊንካ ብምንባርካ ንፈጣሪ ብሓጎስን ፍቕሪን ነዛ ባዕሉ ፈጣሪ ዝዓደለና መሬት ንነብረላ ከምዘለና ንፈጣሪና ንሙጉሶ።ዘይ ከም ኣብ ካሎኦት ዓለማት መዓኮርካን ኣጥባትካን እናወጣወጥካ ምስዕሳዕ የለን ኣባና፡ስለዚ ንሕጊ ኣምላኽ ኣብ ግምት የእቲኻ ዝድረፍ ፍሉይ ባህሊ'ዩ ዘለና።እዚ ከኣ ኣምላክ ይሕጎሰሉ'ምበር ብርግጽ።ከም ናይ ፔንጠ ጡብካ ጀሊዕካ ናይ ዝዘመርካ እንታይ ፍረ ኣለዎ፡ወይ ከም ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ደኒንካ መዓኮርካ እና ወርወርካ ኒኣምላኽ ምድንጋር እንታይ ዋጋለዎ፡ ጸሃይቱስ ንሳን ኣከዳድነኣን ኣምልኽ ከመይከ ዘየድንቓ!!!!
@user-wb5oy1ed3k
@user-wb5oy1ed3k 6 жыл бұрын
net- sat ኣነን ንስኻን ዘይተረዳደእናሉ ኢንታይ ዩ ባህልና ኣነ ዉን ከማካ የክብሮን ይድግፎን ። ግን ኣበይ ንክዘናግዓሉ ዩ ባህልና ንጥቀመሉ። ተዘይኮይኑ ዝተሓጎሰ ይዘምር ዩ ዝብል ኢምበር፡ ዝተሓጎሰ ይድረፍ ኣይብልን ኣብ ምምስጋን ማለት ዩ። ስለዚ ደርፊ ኣብ ዓለም ክንግልገለሉ ዝተመሃዘ ክሳብ ዝኮነ! ኣቦይ ኢዝጊ ቢኣ ተገረመ ዝብል የቃርጽ ኢየ ዝብል ። ምናልባት ካብ ኦርትሆዶክስ ተዋህዶ ወጻኢ ኢንተኮይኑ ጸሓፊኣ ግን ንከባበር ይብል። ጌጋ ዩ ኢዚ ንደራፊት ወይ ንዋጣይት ደኣ ብዓይኑ ምሕረቱ ይጠምታ ይበሃል ኢምበር ።ኣቦይ ኢዝጊ ቢኣ ተገረመ ክትብል ኣብዘይ ትወጾ ዓዘቅቲ ኣይትእቶ ይብል!!!!!
@user-vo1yy3vi1k
@user-vo1yy3vi1k 6 жыл бұрын
ፅቡቅ ሪኢቶ እዛ ጅግና አዴና አዶ መምህር ትግርኛ ነብሰን አብ ገነት ይንበር ብልቢ ሓዚነ
@user-vz1le1hp1t
@user-vz1le1hp1t 5 жыл бұрын
@@user-wb5oy1ed3k illitarate
@user-xe9ib5vv3d
@user-xe9ib5vv3d 6 жыл бұрын
ኤርትራውያን ሓንቲ ጸገም ኣላትና ምክንያቱ ሰብ ምስ ሞተ ኢኩም ትዝክርዎ ቅዲሚ ሙማቱ ደርፉ ኣይተስተማቅርዎን ኢኩም
@vivilala9115
@vivilala9115 6 жыл бұрын
ትኽክል
@mogosmehari8704
@mogosmehari8704 5 жыл бұрын
ልከዕ ሰብ ከሎ ከመለካ አንተልካዮ አዩምበር ምስ ሞተ ከምዚ ነሩ ከምዚ ገሩ እንተልካሉ እንታይ ትርጉም ኣለዎ።
@user-vz1le1hp1t
@user-vz1le1hp1t 5 жыл бұрын
ኣስሊ ናይ ባባ ተወልደ ረዳ ሰብ ምኳነይ ኣጋቢዘካ ኣለኩ።
@gideydesbele1614
@gideydesbele1614 4 жыл бұрын
Stimmt like hibeka aleku
@angosomyigzaw6062
@angosomyigzaw6062 3 жыл бұрын
ይገርመካ እዩ
@amareseggai8957
@amareseggai8957 Ай бұрын
ዘይድገም ክእለት ክድገም እውን ዘይከአል እዩ። ሐደሽቲ አረሰቲስት ኢና እንዳበሉ እንዳበላ ብዘይ ናቶም ናተን ድምጺ ከም ደርሆ እንዳነቀዉ እንደነቀዋ እዝኒ ሰብ ሐሚሙ።እስኪ አፍ ሒዝካ ስቕ ምባል ጡዑም እዩ።አብዘይ ትኽእልዎ ትኽእሎኦ ጠንቀምቀም ዘይምባል።
ንግሆ ወይ ምሸት ጥራይ ክትሰምዓ ዘለካ ቪድዮ.| Mesobna
14:07
1❤️
00:17
Nonomen ノノメン
Рет қаралды 13 МЛН
Scary Teacher 3D Nick Troll Squid Game in Brush Teeth White or Black Challenge #shorts
00:47
Did you believe it was real? #tiktok
00:25
Анастасия Тарасова
Рет қаралды 53 МЛН
🇪🇷 - Legend Tsehaytu Beraki - Old classic Eritrean Music
3:48
Negasi Tesfamariam - Segom   - New Eritrean Music Video 2017
6:09
ATA Media
Рет қаралды 1 МЛН
Bereket Mengisteab | Btihti Gezana | New Eritrean Guayla Music Video Remix 2020
6:37
Bereket Mengisteab Official Music Channel
Рет қаралды 1,5 МЛН
ጎጎ ዓመት…ፅጋቡ ተሻለ ጥዑም ባህላዊ ጭራ ትግርኛ....GOGO AMET Tsigabu Teshale Best Tigrigna Traditional.
7:40
Radio Natsinet ራድዮ ናፅነት ....ሓፈሻዊ ፍልጠት፣ታሪኽ ፣ስፖርት ..
Рет қаралды 1,8 М.
ሰበይትን ተፈጥሮኣዊ ባህርያታን!  | Mesobna
23:19
Mesobna ዓንጋሊት
Рет қаралды 97 М.
1❤️
00:17
Nonomen ノノメン
Рет қаралды 13 МЛН