Рет қаралды 1,671
ጭራ ምፅዋት ከም ነውሪ ተገይሩ ይቑፀረሉ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ንሱ ኣብ በረኻ ጥሪት እናጓሰየ ብዝጥዕሞ ናውቲ ህፃንነት ጭራ መሳሊ ሰሪሑ ስምዒቱ ይጥብር ነይሩ። ንሱ ብመረዋሕ ድምፁ ኣኽራትን ሜዳን እንተጋውሕ ማይ ዝሓውራ ጎራዙ ልበን ይፈስስ ነይሩ። ካብ ጓስነት ሓሊፉ ኣበ ነብሲ ባህላዊ ደርፊ ትግርኛ ክኸውን እዩ ኢሉ ዝሓሰበ ሰብ ስለዘይነበረ ወለዱ ጭራ ሒዙ እንተረኺበሞ ከም መጥፊኢቱ ይቑፀር። ሕልሙ ነዊሕ፣ ብፈተና ዘይብዳህ ፃዕራም ስለዝነበረ ግን ብሓያል ውልቀ ፃዕሩ ኣብቲ ዝደለዮ ብርኪ እናነበረ ይርከብ። እዚ ናይ ትማሊ ሰገን ሎሚ ኣብ ባህላዊ ሙዚቃ ትግርኛ ሽሙ ብደሚቕ ቀለም ኣመዝጊቡ እናገልገለ ይርከብ። ብኣልበም ደረጃ ፈላማይ ባህላዊ ደርፊ ትግርኛ ዘሐተመ እዩ። ንጭራ የናዝዛ ይብልዎ። ብሓፂር ቁመቱ "ምራጭ" ኢሎም ይፅውዕዎ። በዓል መረዋሕ ድምፂ፣ ጎይታ ፀወታ ገብረህይወት ገብረማርያም(ምራጭ) ብምኽንያት በዓል ጥምቀት ጋሻ ፕሎት ሚድያ እዩ። ዝገርም ኣጋጣሚ ህይወት፣ ዘስሕቕ ተጓንፉኡን ተሞክሮ ህይወቱን ተኸታተልዎ።