Рет қаралды 128,154
#Jstudio #Eritrean #Eritrea #Asmara #AmanuelAsrat #Robelasrat. ኣዲኡ ወይዘሮ ኣብርሃጽዮን ሃይለ ግን ከርሲ ደቀን ምልኣቱ ክፈቕዳን ሰንበተ ቺዳን ሰቲ ነስኒስን ቡነን ቀልየን ምስ ባዓል ቤተንን ደቀንን ሳሓቅን ጸወታን ክኾነለን ተመንየን ኣንጊሀን ተበራበራ። ህጻን ሮቤል ግን ከም ኩሎም ቆልዑት ገዛውቲ ኣንጊሁ ተሲኡ ምስ ኣኻዓየታቱ ንምጽዋት ናብ ግዳም ወጸ። ሃንደበት ብግዳም ዝረኸቦም ስቪል ክዳን ዝለበሱ ቶኻሉ ፍሽኽ እንዳበሉ ከም ሰብ ደሓን ሽሙን ሽም ኣቡኡን ድሕሪ ምጥላል ገዝኦም መን ከምዘሎ ድሕሪ ምርግጋጽ ከርእዮም ሓተትዎ። ህጻን ሮቤል ንሓዉ ብዙሓት ፈተውትን ፈለጥን ብስራሕ ዝደልይዎን ካብ ብርዑን ኣፉን ዝነጥብ ቃል ጥበብ ዝምነዩ’ሞ ክረኽብዎ ዝመጹ ሰባት ቀጻሊ ብምንባሮምን መሪሕዎም ገዝኡ ይኣቱ ብምንባሩን እዞም ሕጂ ዝሓትዎ ዘለዉ ሰባት’ውን ቀለምን ጥበብን ሓዉ ዝደልዩ ስለዝመሰሎ ነገር ህጻን እንዳነጠረ ገዛ መሪሕዎም ኣተወ።