Рет қаралды 47,147
ሶሎ ሚድያ
ሓንቲ ካብተን ንስለ ሓቅን ኤርትራዊ ሃገራዊ ክብረትናን ደው ዝበላ ናይ ሚድያ ማዕከናት ሶሎ ሚድያ እያ። ሶሎ ሚድያ ክንዮ ምቅዋምን ምድጋፍን መንግስቲ ንሃገራዊ ረብሓታት ኣብ ቅድሚት ሰሪዓ፥ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስኒት ኣብ ምኹስኳስ ትርከብ። ሚድያ ኣህላኺ ግዜ፡ ጉልበትን ንዋትን ብተወሳኺ ረዚን ሓላፍነት ዝጠልብ ዕማም እዩ። ብዘይ እዞም ዝተጠቕሱ ረቛሒታት ሚድያ ክቕጽልን ክዓብይን ፈጺሙ ኣይክእልን። ሶሎ ሚድያ ካብዚ ዘላቶ ክትስስንን ክትቅጽልን እንድሕር ኮይኑ እቶም ኩልና ብህዝብናን ሃገርናን እንግደስ፥ ንመንግስቲ ምቅዋምን ብመጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ምጥላዕን ክልተ ዝተፈላለየ ዛዕባ ምዃኑ ኣሚንና ሃገርና ንዝኾነ ባዕዳዊ ዕንደራን ተንኮላትን ኣሕሊፍና ኣይንህብን እንብል ደቂ ኤርትራ ንሶል ሚድያ ኢደይ ኢድካ ኢልና ከነማዕብላን ካብ ዲያስፖራ ሓሊፋ ናብ ዓዲ ንኽትበጽሕ እጃምና ንግበር።
ንእትገብርዎ ሓገዛት ምስጋናን ኣቐዲምና ነቕርብ።
ሶሎ ሚድያ ድምጺ ርትዕን ሓቅን
www.gofundme.com/f/solomedia?...